ብፈረቓ ዝወሃብ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተሪፉ ተባሂሉ

መቐለ 02 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብፈረቓ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት መብራህቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ከምዝተረፈ ሚኒስቴር ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ኣፍሊጡ።

ንኣናኣሽቱ፣ ማእኸለዎትን ዓበይትን ኢንዳስትሪታት ግና ብዙሕ ተጠቃሚ ኣብ ዘለዎም ስዓታት 50 ሚኢታዊ ምሸት ካብ ስዓት 5 ክሳብ ወጋሕታ ስዓት 12 ድማ ብሙሉእ ዓቕሚ ክውሃብ እዩ ኢሉ እቲ ሚኒስቴር።

ኣብ ዝቕፅሉ 15 መዓልታት ኩነታት እናተርኣየ ምምሕያሻት ከምዝግበር አቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ኣጋጢሙ ብዝተብሃለ ሕፅረት ሓይሊ ካብ ግንቦት 1 ክሳብ 30 ሰነ 2011ዓ/ም ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣገልግሎት መብራህቲ ብፈረቓ እናተውሃበ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።