ደቡብ ሱዳን መዓልቲ ናፅነታ ንምኽባር መደብ ከምዘይሓዘት ኣፍሊጣ

መቐለ 02 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ደቡብ ሱዳን መዓልቲ ናፅነታ ንምኽባር ትልሚ ኣይብለይን ኢላ ቅድሚ 8 ዓመታት ናፅነታ ዝረኸበትን ተወሳኺት ሃገር ኣህጉር ኣፍሪካ ኮይና ዝተመዝገበትን ሃገር ደቡብ ሱዳን ሻምናይ ዓመት ሕዚ ዋላ እኳ እንተኾነ እዚ ንምፅምባል ትልሚ ከምዘይብላ ትማሊ ዕላዊ ገይራ ኣላ።

ድሕሪ ምስ ሱዳን ንዓመታት ዝተገበረ ጎንፂ ዝተረኸበ ናፃነት ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ከምሃገር ምቋማ እውን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝነበረት ሃገር እያ።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ሓበሬታ እታ ሃገር ከምዝገለፆ እታ ሃገር ኣብ ዝሓሸ ሰላም ኣላ ብፍላይ ኣብ ሕሉፍ ወርሒ መስከረም ምስተናሓናሕቲ ሓይልታት ድሕሪ ዝተገበረ እማመ ሰላም እታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ናይ ሰላም ኩነታት ትመፅእ ምህላዋ ተገሊፁ።

ኣፍሪካ ኒውስ ንሚኒስትር ሚኒስቴር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ሚካኤል ማኩል ጠቒሱ ከምዝገለፆ እታ ሃገር መዓልቲ ናፅነታ ንምፅምባል ትልሚ ኣይብላን።