ጋና ንመሳለጢ ናፃ ዘባዊ ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝውዕል 10 ሚሊየን ዶላር ሓጊዛ ።

መቐለ 01 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) መንግስቲ ጋና ንሕብረት ኣፍሪካ 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከም ዘበርክት ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጋና ኣዩ ዳንክዋ ኣኩፎ ኣዩ ትማሊ ከም ዝሓበርዎ ሃገሮም ንናፃ ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ መሳለጢ ዝውዕል 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ትገብር ኣረጋጊፆም።

ትማሊ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኒጀር ኣብ ዘሳለጥዎ ኣኼባ ጋና ናፃ ዘባዊ ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ ክተተኣናግድ መረፃምዋ ኣለዉ።
ትማሊ ኣብ ኒጀር ኒያሚ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 12 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ናፃ ዘባዊ ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ኢትዮጵያን ግብፂን ሓዊሱ 6 ሃገራት ዝተነሓነሓ እንትኸውን ጋና ድማ ተዓዊታ ኣላ።

ቤት ፅሕፈት ናፃ ዘባዊ ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጋና ክኸውን ዝወሳኑን ዝመረፁን መራሕቲ ከም ዘመስግኑን ጋና ድማ ነቲ ቤት ፅሕፈት ዝኸውን ኩሉ ብዝግባእ ከም ተማልእን እቶም ፕረዚደንት ኣረጋጊፆም።

ሃገራት ቁጠባዊ፣ንግዳዊን ከምኡ እውን ማሕበራዊን ተጠቃምነተን ንምዕባይን ንምርግጋፅን ዕለማ ተገይሩ እቲ ትካል ከም ዝተጣየሸ ድማ ይዝከር።