ዜና ዕረፍቲ ሰራሕተኛ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣልማዝ ወልደማርያም እያሱ ብዝሓደረን ሕማም ዓሪፈን።

መቐለ 05 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣባል ድምፂ ወያነ ትግራይ ዝኾና ወይዘሮ ኣልማዝ ወልደማርያም እያሱ ብ1956 ዓመተ ምህረት ካብ ወዓዲአን ኣይተ ወልደማርያም እያሱ ፤ወላዲተን ወይዘሮ ኣሰማች ገብሩን ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለዳ ኾይነን፤ካብ 1984 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ድማ ን27 ዓመታት ሰራሕተኛ ድምፂ ወያነ ትግራይ ብምዃን ክሳብ ሕልፈት ህይወተን ብቕንዕና እናገልገላ ፀኒሐን እየን።

ወይዘሮ ኣልማዝ ወልደማርያም ካብ ስራሕ ትካለን ብተወሳኺ ኣባል ቤት ምኽሪ ክፍለከተማ ሰሜን ብምዃን ከም ዘገልገላ እውን ታሪኸን ይሕብር።

ወይዘሮ ኣልማዝ ወልደማርያም ኣዶ 3 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቂ ኣነስትዮን ብሓፈሻ ኣደ 5 ቆልዑ ነይረን።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ወይዘሮ ኣልማዝ ወልደማርያም ፅባሕ 6 ሰነ 2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 12 ኣብ ቤተ ክርስትያን እንዳጋብር መቐለ ክፈፀም እዩ።

ድምፂ ወያነ ትግራይ ብሞት ወይዘሮ ኣልማዝ ዝተሰምዖ ሓዘን መሪር ምዃኑ ብምግላፅ ንስድራ፤ፈተውቲ፤መሳርሕቲን ፅንዓት ይምነ።