ልምዓታዊ ስራሕቲ ከተማ ኣላማጣ ተመሪቆም

መቐለ 04 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ንሓላፊ ከተማ ልምዓትን ንግድን ኢንዳስትርን ክልልና ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተሰርሑ ልምዐላታዊ ስራሕቲ መሪቑ።

ትማሊ ኣብ ዝወዓለ ምረቓ ፕሮጀክታት ልምዓት እናተሰርሑ ፀኒሖም ዝተዛዘሙ ኣብ ገብረ እቱ ዝርከብ ብ57 ሚልዮን ቅርሺ በጀት ክልል ዝተሃነፀ ድልድል ከምኡ እውን ብ82 ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅርሺ ዝተሰርሐ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ንምረቓ በቒዖም ካብ ዘለው ፕሮጀክታት ልምዓት እዮም።

ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ብልዕሊ 20 ሚልዮን ቅርሺ ብማሕበር መናእሰይ ዝተሃነፀ መዘናግዒ መናእሰይ ከተማ ኣላማጣ’ውን መሪቆም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም እዮም።