ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ፕሮጀክት ባቡር ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ…

መቐለ 03 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብዛ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ልዕሊ ፕሮጀክት ባቡር ከቢድ ፅልዋ ከምዘሕደረ ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ።

ዝተዛዘሙ ፕሮጄክትታት ብኣግባቡ ግቡእ ግልጋሎት ይህቡ ከምዘየለዉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን ንዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ግቡእ ኽፍሊት ብዘይምፍፃሙ ስራሕቲ ንክተኣጋጎሉ ምኽንያት ከምዝኾንዎ እዩ ዝሓበረ።

ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ሓይሊ መብራህቲ እቶም ህንፀቶም ዝተዛዘሙ ፕሮጀክትታተ እውን ናብ ተግባራዊ ስራሕ ከምዘይኣተዉ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ደረጄ ተፈራ ተዛሪቦም።

እቶም ቅድም ኢሉ ህንፀቶም ዝተዛዘሙ ፕሮጀክትታት ባቡር ንውሓት መንገዶም 392 ከሎ ሜትር ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ዛጊድ ስራሕቲ ፈተነ ብሰንኪ ፀገም መብራህቲ ከምዘይጀመረ እውን እዩ ገሊፆም ዘለዉ።