ቬንዙዌላ ዓፅያቶ ዝፀንሐት ዶብ ኮሎምብያ ከፊታቶ

መቐለ 02 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ቬንዙዌላ ዓፅያቶ ዝፀንሐት ዶብ ኮሎምቢያ ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ከምዝኸፈተቶ ተሓቢሩ።

ፕረዝደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ እቲ ተዓፅዩ ዝፀንሐ ዶብ ንክኽፈት ምእዛዞም ስዒቡ ድማ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት እታ ሃገር ምግብን ኣፋውስን ንምዕዳግ ናብ ኮሎምብያ ይውሕዙ ምህላዎም ተገሊፁ ኣሎ።

መንግስቲ ቬንዙዌላ ምስ ኮሎምብያ ዘራኽብ ዶብ ኣብታ ሃገር ብዝተልዓለ ህዝባዊ ዓመፅ ስዒቡ እዩ ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብተቓወምቲ ሓይልታት ምግብን ኣፋውስን ናብ ሃገሩ ንኸይኣቱ ኣጊድዎ ፀኒሑ።

ትማሊ ምኽፋት እቲ ዶብ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ፕረዝደንት ኒኮላስ ማድሮ ድማ ንሕና ንነፃነትና ብፅኑዕ እንቃለስን ኣብ ጉዳይና ባዕልና እንውስንን ሰለማውያን ህዝብታት ኢና ምባሎም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።