ኣብ ስልጣነ ኤስያ ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኣብ ቻይና ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ፡፡

መቐለ 07 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) መኽፈቲ ስነ- ስርዓት እቲ ኮንፈረንስ ድማ ሎሚ ኣብ ቤጂንግ ብዕሊ ከም ዝጅመር ዝተገለፀ ኮይኑ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂን ፒንግ ድማ ዘረባ ከስምዑ እዮም ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ኮንፈረንስ ተወከልቲ 47 ሃገራት ኤስያን ዕዱማት ካልኦት ሃገራትን ክርከቡ ትፅቢት ይግበር፡፡

እቲ ኮንፈረንስ “ኣብ መንጐ ስልጣነን ማሕበረሰብን ኤስያውያን ልውውጥን ሓበራዊ ምምህሃርን ንሓበራዊ መፃኢ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝሳለጥ ኮይኑ ዋዕላታት፣ ካርኒቫል ባሀልን ሰሙን ስልጣነ ኤስያውያንን ዘካተተ ምዃኑ CGTN ፀብፂቡ፡፡