ንተመዛበልቲ ጌዴኦ ሓገዝ ኣልባሳት፤ ምግብን እክልን ተዋሂቡ።

መቐለ 06 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ሚኒስቴር ህፃናት፤ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ንተመዛበልቲ ጌዴኦ ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፁ።

ሚኒስቴር ህፃናትን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ምግብን ኣቁሑት ናውትን ሓገዝ ጌሩ ኢሉ’ውን ቅድሚ ሓደ ወርሒ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ብመልክዕ ሓገዝ ኣቁሑትን ናውትን ተዋሂቡ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

እቲ ሚኒስቴር ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፤ ምግቢን እኽልን ሓዊሱ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ሓገዝ ንተመዛበልቲ ከም ዝሃበ ኣዘካኪሩ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ወ/ሮ ሕይወት ሃይሉ ኣብቲ ቦታ ተረኺበን ከምዝበልኦ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ንክምለሱ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ካልኦት ብጎና ጎኒ ዝስርሑ ስራሕቲ ከምዘለውን ኣብራሪሀን።