46 ነባራት ኣባላት ፖሊስ ቱርኪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

መቐለ 06 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ሓይልታት ፀጥታ ቱርኪ 46 ነባራት ኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ 46 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስ እታ ሃገር ዝነበሩ ኮይኖም ምስ ምንቅስቓስ ፋቱላህ ጉለን ርክብ ኣለዎም ብዝብል’ዩ።

ምንቅስቓስ ፋቱላህ ጉለን ኣብ 2016ዓ/ም/ፈ. ኣብ ቱርኪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ መዝገብ እታ ሃገር ብኣሸባሪነት ሰፊሩ ይርከብ።

ፋቱላህ ጉለን ኣብ ኣሜሪካ ዓሪዱ መንግስቲ ቱርኪ ንምውዳቕ ይንቀሳቐስ ምህላዉ እዩ ዝግለፅ።