ርክብ ኣሜሪካን ኩባን ይሕርፍፍ ኣሎ ተባሂሉ…

መቐለ 07 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብዚ ዓመት ኩባ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ እናሓርፈፈ ከምዝመፀ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ገሊፆም።

ፕሬዝደንት ሙግኤል ዳይዝ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ሓያል ተፃብኦታት ተብፅሕ ከምዘላን እቲ ዝሓለፈ ዓመት ፈታኒ ግዝያት ከምዝነበረን ገሊፆም።

ኩባ ኣብ ዘበነ ባራክ ኦባማ ፅቡቕ ዝብሃል ርክብን ምሕዝነትን ከምዝነበራን ፕሬዝደንት ትራምፕ ግና ነዚ የበላሽይዎ ከምዘለዉን እቶም ፕሬዝደንት ሓቢሮም እዮም።

ኩባ ኣብዚ ዓመት ምስ ኣብ ጥቐኣ ዘለዋ ሃገራት ብዝመስረተቶ ርክብ ቑጠባኣ ህድኣት ከምዘርኣየን ዝበለፀ ውፅኢት ንምርካብ ድማ ዜጋታታ ኣበርቲዖም ክሰርሑን እቶም ፕሬዝደንት ፃውዒት ኣቕሪቦም።