ዕሹጋት መግብታት ክንጥቀም ከለና ጥንቃቀ የድሊ

መቐለ 06 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ሕብረተሰብ ንምግቢ መስተን መፀባበቕን ዝጥቀመሎም ዕሹጋት ነገራት መጥቀሚ ግዚኦም ኣንቢቡ ተረዲኡ ክጥቀም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብ ወረዳ እንዳ መኾኒ ዕሸል ከተማ ወዲ ሰምሮ መጥቀሚ ግዚኦም ዝሓለፎም ንግልጋሎት ምግቢ መስተን መፀባበቕን ዝውዕሉ ነገራት ብምትሕብባር ኣብያተ ዕዮ ሓለዋ ጥዕናን ንግድን እታ ወረዳ ተወጊዶም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምውጋድ ዝተረኸቡ ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና እታ ወረዳ ኣይተ ሓጎስ ከበደ እዞም ይውገዱ ዘለዉ መጥቀሚ ግዚኦም ዝሓለፎም ዕሹጋት ነገራት ሕብረተሰብና ንምግብነት ንመስተን መጸባብቕን ዝጥቀመሎም ብምዃኖም ኣብ ጥዕና ኣእዝዩ ከቢድ ዝበሃል ሓደጋ ከብፅሑ ዝኽእሉ እዮም ኢሎም።

ሕብረተሰብ እውን ነዚ ሓደጋ ተገንዚቡ ዝጥቀመሎም ፍርያት ፋብሪካታት ዝኾኑ ነገራት መጥቀሚ ግዚኦም ኣንቢቡን ተረዲኡን ናይ ምጥቃም ልምዱ ከማዕብል ይግባእ ዝበሉ እቶም ምኽትል ሓላፊ ብኣብያተ ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕናን ንግድን ዝተጀመረ ሃባራዊ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ኣረዲኦም።