መሓመድ ዓባስ ዳግም ተመሪፆም

መቐለ 06 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ፕሬዝደነት ፊልስጤም መሓመድ ዓባስ ሓዱሽ መራሒ መንግስቲ እታ ግዝኣት ኮይኖም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

እቶም ፕሬዝደንት ብቀዳምነት ሚኒስትር ፊሊስጤማውያን መሓመድ ሽታየህ ብዝምራሕ 22 ካቢኔ ሚኒስትር ዘለዎ ካቢኔ እዮም ዳግም ተመሪፆም ዘለው።

መሓመድ ዓባስ ንኣብዝሓ ግዝኣታት ዌስት ባንክ ዝመርሕ ውድብ ፍታህ ዝመርሑ ኮይኖም ዳግም ምዃኖም ኣብ ከበባቢታት ጋዝ ዝንቐሳቐስ ጉጅለ ዕጡቅ ሃማስ ተቃዊምዎ ኣሎ።

ፊሊስጤማውያን ግዝኣታት ዌስት ባንክን፣ጋዛን ብእስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተታሒዞም ብምህላዎም ንማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓን የቕርቡ ምህላዎም ይፍለጥ ኣልጀዚራ ከምዝፀብፀቦ።