ዕቤት ቑጠባ ዓለም እዚ ዓመት 3.3 ሚኢታዊ ክኸውን እዩ…

መቐለ 05 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ዕቤት ቑጠባ ዓለም እዚ ዓመት ቅድም ክብል ካብ ዝተገመተ 3.5 ሚኢታዊ ናብ 3.3 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኽእል ትካል ገንዘብ ዓለም ገሊፁ።

እቲ ትካል ዘውፅኦ ትንቢያ ከምዘመላኸቶ ቑጠባዊ ዕቤት ዓለም 2019ዓ.ም ፈረንጂ ቅድም ክብል ካብ ዝተተንበየሉ 3.5 ሚኢታዊ ናብ 3.3 ሚኢታዊ ክንኪ ዝተገመተ ብምኽንያት ምዝሕሓል ቑጠባ ዓለም እዩ።

ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቑጠባ ትካል ገንዘብ ዓለም ጊታ ጐፒናዝ ኣብ 2018ዓ.ም ፈረንጂ 3.6 ሚኢታዊ ዕቤት ዘመዝገበ ቑጠባ ዓለም ኣብ 2019ዓ.ም ፈረንጂ ናብ 3.3 ሚኢታዊ ክንኪ ይኽእል እዩ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣብ 2020ዓ.ም ፈረንጂ ድማ ዕቤት ቑጠባ ዓለም 3.6 ሚኢታዊ ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝኽእል ገሊፁ።

ዕቤት ቑጠባ ዓለም ምንካይ ዘርኣየ ድማ ኣብ መንጐ ቻይናን ኣሜሪካን ዝተፈጠረ ንግዳዊ ኲናት፣ ምድኻም ንግዳዊ ልውውጥን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝረኣ ዘሎ ድኽመት ዕቤት ቑጠባ ምዃኑ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።