መንገዲ ኣየር ሩዋንዳ ናብ ኪንሻሳ ቐጥታዊ በረራ ክጅምር እዩ…

መቐለ 05 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ሩዋንዳ ናብ ዋና ከተማ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ኪንሻሳ ቐጥታዊ በረራ ከምዝጅምር ዕላዊ ጌሩ።

ምጅማር እቲ በረራ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ክልቲኣዊ ምሕዝነት ካብ ምጥንኻር ብንዝሰገረ ዝነበረን ኣፈላላይ ክፈትሕ እዩ።

ሩዋንዳ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰደድ ትገብሮ ምህርቲ ቐንዲ ጠለባት ዝኾነት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ 86.9 ሚኢታዊ ሰደድ ምህርቲ ኪጋሊ ትቕበል ሃገር ምዃና ማዕቐን ዜና ኒው ታይምስ ገሊፁ።

መንገዲ ኣየር ሩዋንዳ ድማ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ቐጥታዊ በረራ ንምክያድ ምድላው ከምዝወገነ ገሊፁ።

እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ኪንሻሳ ዝገብሮ ቐጥታዊ በረራ ኣብ ኣፍሪካ መበል 23 መዕረፊ ክህልዎ ዝገብር ኮይኑ ኣብ ዓለም ድማ 27 መዕረፊ ክህልዎ ዝገብር እዩ።