ደቡብ ኮርያ ሓምሻይ ትውልዲ ሞባይል ኔትዎርክ ጀሚራ

መቐለ 26 መጋቢት 2011 (ድምፂ ወያነ) ደቡብ ኮርያ ብደረጃ ዓለም ፈላማይ ዝኾነ ሓምሻይ ትውልዲ (5G) ኔትዎርክ ሞባይል ከምዝጀመረት ተገሊፁ።

እቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተግባራዊ ዝኾነ ብብርኪ ዓለም ፈላማይ ዝተብሃለ ሓምሻይ ትውልዲ (5G) ኔትዎርክ ሞባይል ደቡብ ኮርያ ብደረጃ ዓለም ፈላመይቲ እዚ ኔትዎርክ ሞባይል ኣብ ስራሕ ዘውዐለት ሃገር ዝገብራ ምዃኑ ተገሊፁ።

እታ ሃገር ካብ ዓለም ፈላመይቲ ነዚ ሓምሻይ ትውልዲ (5G) ኔትዎርክ ሞባይል ዝተጠቐመት ሃገር ክትኸውን ዝገበረ እቲ ዘመናዊ ስሉጥን ኣብ መላእ ሃገር ዝተጀመረን ኔትዎርክ ዓውደ ቴክኖሎጂ እዚ መዋእል ብዝለዓለ መልክዑ ይዓቢ ከምዘሎ ዘመላት’ዩ ይብል ኣልጀዚራ።