ሕብረተሰብ ኣብ ምልጋስ ደም ዘለዎ ግንዛበ ክዓቢ ኣለዎ…

መቐለ 25 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ምልጋስ ደም ዘሎ ኣተሓሳስባ ክስበር ኣለዎ ኢሎም መናእሰይ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ጣብያ ሓየሎም ቀጠና 10 ዝተወደቡ ገበርቲ ሰናይ መናእሰይ ልገሳ ደም ኣካይዶም።

እቶም መናእሰይ ብዓርሰ ተበግሶ በቢ ሰለስተ ወርሒ ልገሳ ደም ንምክያድ ዝወሰኑ ኮይኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዘካይድዎ ካልኣይ ዙር ልገሳ ደም 74 መናእሰይ ደም ከምዝለገሱ ተገሊፁ።

ካብ ልገሳ ደም ወፃኢ ንፅጉማትን ሕሙማትን ብምጥያቅ፣ገንዘብ ኣዋፂኦም ብምሃብ ዓቅሚ ዘይብሎም ተምሃሮ እውን ናውቲ ትምህርቲ ዲቪዛ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምውፃእ ሓገዝ ከምዝገበሩ ኣቦ መንበር እታ ማሕበር መንእሰይ ሙሉ ብርሃን ገሊፁ።

መተሓባበሪ ትካል ባንኪ ደም ከተማ መቐለ ኣይተ መኮነን ኣስፍሃ እዞም መናእሰይ ዝሰርሕዎ ዘለው ስራሐቲ ንካልኦት መናእሰይ እውን መርኣያ ምዃኑ ከምዝኾነ ብምግላፅ ሕብረተሰብ ኣብ ምልጋስ ደም ዘሎ ትሑት ኣተሓሳስባን ግንዛበን ከዕቢ ኣለዎ ኢሎም ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ዝለኣከልና ሓበሬታ የመላኸት።