መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ከም ወትሮ ፅለታዊ ስራሕቱ .....

መቐለ 04 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ከም ኩሉ ግዘ ቁፅሪ በረርኡን ግዘ ሰለዴኤን እንከይተዛበዐ ናብ መላእ ዓለም ምብራር ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገ/ማርያም፡፡

ኣይተ ተወልደ ገ/ማርያም ትማሊ ኣማስዮም ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ከይዲ በረራ ተዓዚቦም ኣለው፡፡

ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 300 ዓለምለኸ በረራታት ከምዝተሳለጡ ኣይተ ተወልደ ተዘሪቦም፡፡

ተጓዓዝቲ እውን ኣብቲ መንገዲ ኣየር ዘለዎም እምነት ከምዝቐፀለ ኣመላኪቶም፡፡

ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ- 8 ግቡእ ምርመራ ክግበረለን- ንግዜኡ ግልጋሎት ከይህባ ከምተኣገዳ ዝፍለጥ’ዩ፡፡