ውሕስነት ምግቢ ኢትዮዽያ ብዘላቕነት ንምርግጋፅቴክኖሎጂ ሕርሻ ንምስፍሕፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ

መቐለ 04 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ውሕስነት ምግቢ ኢትዮዽያ ብዘላቕነት ንምርግጋፅቴክኖሎጂ መዳርግቲ ኣካላት ዛሳተፈ ዝተዋደዳ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ንምስፍሕፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ዓውደ ሕርሻ ኣይተ ሳኒ ረዳ ከምዝገለፅዖ ንውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዕብየት ምጣነ ሃፍቲ ንምምዝጋብን ቴክኖሎጂ ሕርሻ ምዕባይን ብቐፃልነት ምህናፅን ከምዛድሊ ተዛሪቦም፡፡

ዕብየት ሕርሻ ብዝለዓለ ብርኪ ከቕፅሉ ዝኽእሉ ቴክኖሎጂታት ኣብ ኢድና እኳ እንተሃለወ ብዝተዋደደ ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ ዘይምስራሕና ዕንቅፋት ይኾነና ኣሎ ክብሉ ኣይተ ሳኒ ኣረዲኦም፡፡

ካብ 70-80 ሚእታዊ ሸርፊ ወፃኢ እታ ሃገር ዝሽፈን ብምህርቲ ሕርሻ እንትኾን ተወዳዳራይ ንምዃን ድማ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ብምህናፅ ብፅሬት፣ንዕዳጋ ወፃኢ ንምቕራብ ፃዕሪ እናተገበረ ምኳኑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ንካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ካብ መሓዙት ልምዓት ዝተረኸበ 250 ሚልዮን ዶላር እቲ 100ሚልዮን ዶላር ንዓውዲ ምርምር ከምዝተመደበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ስምምዕነት ሰላም ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፖብሊክ ንዜጋታት እታ ሃገር ዓብይ ተስፋ ኮይኑ ምህላው

መንግስትን ተቃወምትን ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፖብሊክ ዝፈረምዎ ስምምዕነት ሰላም ንዜጋታት እታ ሃገር ዓብይ ተስፋ ኮይኑ ምህላው ተገሊፁ፡፡

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝፀንሐ ኲናት ሕድሕድ ዜጋታት እታ ሃገር ግዳያት ሞትን ምምዝባልን ኮይኖም ምፅነሖም እዩ ዝግለፅ፡፡

ልዕሊ 50 ሽሕ ዝኮኑ ዜጋታት ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፖብሊክ ተመዛቢሎም ኮርያ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዝርከቡ እውን ፀብፃባት ፍራንስ 24 የመላኽት፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስትን ተቃወምትን እታ ሃገር ዘተ ሰላም ድሕሪ ምፍርራሞም ዜጋታት እታ ሃገር መፃኢ ብሩህ ተስፋ ሰኒቆም ምህላዎም እናገለፁ ይርከቡ፡፡