ፓኪስታን ዓውደ ቱሪዝም ንምዕባይ ነፃ ቪዛ ፈቂዳ

መቐለ 04 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ፓኪስታን ዓውደ ቱሪዝም ንምዕባይ ዓሊማ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ቬዛ ነፃ ባንታ ሃገር ክእትው ምፍቃዳ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ካብ 50 ሃገራት ናብ ፖኪስታን ዝኣትው ዜጋታት ብዘይ ቬዛ ክኣትው ፈቂዳ ምፅናሓ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ሐዚ ድማ ንዜጋታት ቱርኪ ሓዊሱ ካብ 5 ሃገራት ዝመፁ ዜጋታት ወፃኢ ብዘይ ቬዛ ክኣትው ዝፈቀደት ምኳና ተገሊፁ፡፡

እዚ ስጉምቲ ዓውደ ቱሪዝም እታ ሃገር ንምዕባይ ዓሊሙ ዝስራሕ ዘሎ ምኳኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፖኪስታን ኢምራን ካን ገሊፆም፡፡