ሰኔት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኲናትየመን ውሳነ ሓሳብ ክህብ ዩ

መቐለ 04 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ሰኔት ኣሜሪካ ብስዑድ ዓረቢያ ዝምራሕ ሓይሊ ጥምረት ኣብ የመን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ውሳነ ሓሳብ ክህብ ዩ፡፡

እቲ ብሴናተር ቦርኒይ ሳንደረስ ዝምራሕ ውሳነ ሓሳብ ብቐንዱ ኣሜሪካ ብስዑድ ዓረቢያ ንዝምራሕ ሓይሊ ጥምረት ትገብሮ ሓገዝ ተቋረፀሉ ኩነታት ንምፍጣር’ዩ ክብል ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጐ ዓመፅቲ ሂወትን ብስዑድ ዓረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስን ዝምራሕ ሓይሊ ጥምረትን ኣብ የመን ብዝተወለዐ ጐንፂ ዝኸፍኣ ሰብኣዊ ቕልውላው ከምዘጋጠመ ፀብፃባት ይገልፁ፡፡

እዚ ብቐንደዱ ብኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ሓገዝ ከምዝግበረሉ ዝግለፅ ሓይሊ ጥምረት ሰኔት ኣሜሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝለዓለ ተቃውሞ የሰምዕሉ ከምዘለው ድማ ተገሊፁ፡፡

ኣብ 2015 ዓም.ፈ ዝተጀመረ ኲናት የመን ዝኸፍአ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ዘስዐቦ ኮይኑ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ከምዝዓነው ድማ ፀብፃባት ይገልፁ፡፡