ሲንጋፖር ሞዴል ቦይንግ 737 ማክስ ዝኾና ነፈርቲ ኣግልግሎት በረራ ከይህባ ኣጊዳ

መቐለ 03 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ሲንጋፖር ስርሒት ሞዴል ቦይንግ 737 ማክስ ዝኾና ነፈርቲ ኣግልግሎት በረራ ከይህባ ከምዝኣገደት ኣፍሊጣ።

ኣልጀዚራ ከምዝሓበሮ 1 መጋቢት 2011ዓ/ም ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዋንነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፋሪት ብርክት ዝበላ ሃገራት ስርሒት ቦይንግን ሞዴል 737 ማክስ 8ተን ዘኮና ነፈርቲ ከይበራ እናኣገዳ እየን።

ሰብ ስልጣን ኣገልግሎት ኣቬየሽን ሲንጋፖር ከምዝበልዎ እቲ እገዳ በረራ ኣብ ውሽጢ ስንጋፖርን ዓለምለኻዊ በረራን ንዝበራ ነፈርቲ ዘጠቓልል’ዩ።