ኤሌክትሮኒክስ ኩባንያ ሳምሰንግ ከም መፅሓፍ ዝዕፀፋን ዝግንፀላን ...

መቐለ 15 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) መፍረይ ኣቕሑት ኤሌክትሮኒክስ ኩባንያ ሳምሰንግ ከም መፅሓፍ ዝዕፀፋን ዝግንፀላን ዘበነዎት ተንቀሳቐስቲ ስልክታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

እተን ስልክታት ሓምሻይ ትውልዲ ተንቀሳቐስቲ ስልክታት ኮይነን ብዝለዓለ ቕልጣፈ ኢንተርኔት ከገልግላ ከምዝኽእላ እውን ተሓቢሩ።

እተን ብሓዱሽ መልክዑ ዝቐረባ ስልክታት እንተዘይተዓፂፈን ኣብ ስክሪን ብሓደ ግዘ ብዝተፈላለዩ ሰለስተ መተግበሪታት ክሰርሓ ትፅቢት ዝተገበረለን ኮይኑ ኣብ ወርሒ ሚዝያዝ ድማ ንዕዳጋ ከምዝቐርባ CGTN ገሊፁ ኣሎ።

እተን ስልክታት ሳምሰንግ ጋላክሲ ስልክታት ኮይነን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሽዱሽተ ካሜራ ክህልወን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።