ዘተ ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ፈደሪካ ሞግሄሪኒን…

መቐለ 03 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ምክትል ኮሚሽነርን ሓላፊት ጉዳያት ፖሊሲ ወፃእን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ፌደሪካ ሞግሄሪኒ ዘትየን።

ፌደሪካ ሞግሄሪኒ ድማ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ቁጠባውን ፖለቲካውን ለውጥታት ከምዝድግፋ ገሊፀን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ እዉን ምስ ምክትል ኮሚሽነርን ሓላፊት ጉዳያት ፖሊሲ ወፃእን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ፌደሪካ ሞግሄሪኒ ዝዘተዩ ኮይኖም ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝተቐመጠ ምዃኑ ሓቢሮም እዮም።

ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ዝነኣዱ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝያዳ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ድማ እምነቶም ዝለዓለ ምዃኑ ተዛሪቦም እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ይኹን ኣብ ዓለም ሰላም ንኽዓስል እተበርክቶ ዘላ ግደ ዝለዓለ ምዃኑ ድማ ፌደሪካ ሞግሄሪኒ ገሊፀን እየን