ሕብረት ኣውሮፓ ውድባት ኤርትራ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ንምርካብ ሓገዝ 20 ሚልዮን ዩሮ ጌሩ

መቐለ 02 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ውድባት ኤርትራ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ዘራኸቡ መንገድታት ንምህዳስን ንምህናፅን 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ጌሩ።

ኮሚሽን ምትሕብባር ልምዓት ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝገለፆ እቲ ሕብረት ውድባት ኤርትራን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኸቡ መንገድታትን ዳግም ንምህናፅ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ምግባሩ ዕላዊ ጌሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ 20 ዓመታት ዲሎማስያዊ ርክበን ብምሕዳስ ሰላማዊ ርክብ ምጅማረን ከምዝነኣደ ዝገለፀ እቲ ሕብረት ን2ቲኤን ሃገራት ንምሕጋዝ ድልው ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ሓገዝ 2ቲኤን ሃገራት ዘካየድኦ ርክብ ንግዲ በምጥንካርን ሰላምን ምርግጋዕን ብምፍጣርን ዜጋታት 2ቲኤን ሃገራት ብዕድል ስራሕ ተረባሕቲ ንምግባር’ዩ።

እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ብኣገልግሎት ፕሮጀክት ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቢሉ ከምዝወሃብ ድማ ተፈሊጡ።