ተመራመርቲ ስነ-ህዋ ቻይናን ኣውስትራልያን….

መቐለ 29 ጥሪ 2011(ድምፂ ወያነ) ተመራመርቲ ስነ-ህዋ ቻይናን ኣውስትራልያን ሓዱሽ ከይዲ ልወጠተ ስርዓተ ፀሓይ ዘርኢ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሮም።

እቶም ተመራመርቲ ኣብዝገበርዎ መፅናዕቲ ቅድሚ ሐዚ ብትኽክል ንዘይተፈለጠ ቅርፂ ሚልክ ወይ ጋላክሲ ዓሊምና ኣቀማምጥኡ ስሉስ ኩርናዕ ከምዝመስል ኣረጋጊፆም።

እቲ መፅናዕቲ ኣብ ነዊሕ ርሕቐት ዝርከቡ ጋላክሲታት ከመይ ከምዝተፈጠሩን ከምዝሕምበቡን ንምፍላጥ ዘኽእል ምዃኑ እውን ዶንግ ሊካይ ዝተብሃለ ምስቶም ተመራመርቲ ፅንዓት ዘካየደ ተመራማሪ ገሊፁ ኣሎ።