መራሒ ቐንዲ ተቃወምቲ ውድብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ተዓዊቶም…

መቐለ 02 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ መረፃ መራሒ ተናሓናሒ ቐንዲ ተቋዋሚ ውድብ ፈሊክስ ሺስኮዲ ምዕዋቶም ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ዕላዊ ጌሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ክልላት ድማ ካልእ መራሒ ተናሓናሒ ተቋዋሚ ውድብ ማርቲን ፋይሉን መራሒ ገዛኢ ውድብ ኢማኑኤል ሻዳርን ብሓባር ከምዝተዓወቱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ከምሓበሬታ ቢቢሲ ውፅኢት እቲ መረፃ እንተተረጋጊፁ ሚስተር ፈሊክስ ሺስኮዲ እታ ሃገር ነፃነታ ካብ ዝረኸበትሉ እዋን ንፈለማ ግዜ ኣብ መረፃ እታ ሃገር ዝተዓወቱ ፈላማይ ተቋዋሚ ተናሓናሒ መረፃ ክኾኑ እዮም።

ፕረዝደንት ጆሴፍ ካቢላ ድሕሪ 18 ዓመታት ዘበነ ስልጣን ካብ ሓላፍነቶም ከምዝወርዱ ድማ ተፈሊጡ።

ሓፈሻዊ ውፅኢት መረፃ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ሙሉእ ብሙሉእ መፃኢ ሰንበት ዕላዊ ክኸውን ትፅቢት ከምዝግበር ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።