ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደግኡ ይውስክ ኣሎ

መቐለ 19 ታሕሳስ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ንሞት ካብ ዝሳጥሑ በዝሒ ቑፅሪ ሰባት እቶም 50 ሚኢታዊ ብዘይተማሓላለፍቲ ሕማማት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ቅድም ክብል ብዝማዕበላ ሃገራት ተመሓላለፍቲ ዘይኾኑ ዓይነታት ሕማም ዝተፈላለዩ እንትኾኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ዓብይ ፈተና ይኾነን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ፅዕንቶ እዞም ሕማማት ድማ ካብ ውልቀ ሰብ ሓሊፉ ናብ ማሕበረሰብ ኢሉ’ውን ብብርኪ ሃገር ፀገም ቑጠባዊ ሃፍቲ ዘብፅሑ ከምዝኾኑ ኣብቲ ዓውዲ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣካላት ገሊፆም።

እዞም ሕማማት ብበዝሒ ኣብ ብርኪ ዕድመ ንእስነት ዝርከብ ማሕበረሰብ ዘጥቅዑ ኾይኖም እዚ ድማ ኣብ ምንቁልቋል ቁጠባዊ ሃፍቲ ሓንቲ ሃገር ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሓኪም ህፃናት ዝኾኑ ዶክተር ሰለሞን ተሰማ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና እዞም ሕማማት ዘለውዎ ብርክን ዘብፅሕዎ ፅልዋን ንምፍታሕ ዘቐመጦም ኣካላት ብዘቅረብዎ መፅናዕቲ ሕብረተሰብ ኣብቶም ሕማማት ዘለዎ ግንዛበ እናዓበየ ይመፅእ ምህላው’ውን ገሊፁ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ’ውን ሕብረተሰብ ንዝወሃቦ መከላኸሊ መረዳእታ ትኹረት ብምሃብ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ምሕጋዝ ከምዘድሊ ሚኒስቴር ዴኤታ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።