ምርመራ ካብ ዕዳጋ ዝጠፍኡ እታወታት ኮንስትራክሽን…

መቐለ 27 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ሚኒስቴር ኢንዳስትሪ ካብ ዕዳጋ ዝጠፍኡ ምህርቲታት ኮንስትራክሽን ምኽንያት መጥፊኢኦም የፃሪ ምህላዉ ተገሊፁ።

ብፍላይ ድማ ቐንዲ ጥረ ኣቅሓ ኮንስትራክሽን ኮይኑ ዘገልግል ምህርቲ ተንዲኖ ካብ ዕዳጋ ምጥፍኡ ንዘርፊ ኮንስትራሽን ኣዝዩ ሃሲዎ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ሚኒስቴር ንግዲ ምህርቲታት ሓፂነ መፂንን ተንዲኖን ካብ ዕዳጋ ዝጠፍኡሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ኣብ 14 ኣምፃእቲ ምርመራ የካይድ ኣሎ።

ፕረዝደንት ማሕበራት ስራሕ ተቋረፅቲ ኢንጅነር ኣመሃ ስሜ ብወገኖም ሕፅረት እታወታት ኮንስትራክሽን ኣብዚ ዓውደ ንዝነጥፉ ትካላት ዓብይ ፀገም ይኸውን ኣሎ።