ፖሊስ ጉምሩክ ክጣየሽ እዩ…

መቐለ 26 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ሚኒስቴር እቶት ተፀዋዕነቱ ንፌደራል ፖሊስ ንዝኾነ ፖሊስ ጉምሩክ ከምዘጣይሽ ገሊፁ።

ብምኽንያት ካብ ቐረፅ ነፃ ኣብ ዝኣትዉ ናውቲ መጠን ግብሪ ምንካይ እውን ዝሓበራ ሚኒስቴር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዝሓለፈ ቐዳም ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፖሊስ ጉምሩክ ንክጣየሽ ውሳነ ከምዘመሓለፈን እቲ ዝጣየሽ ፖሊስ ጉምሩክ ኣብ ሃገርና እናተስፋሕፈሐ ንዝመፀ ገበን ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃር ከምዝሕግዘን ሓቢረን።

ኣብ ኣታውን ወፃእን ንግዲ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ገበን ከምዝፍፀምን እዚ ሽርሕታት ሃገርና ክትረኽቦ ዝግባእ ሕጋዊ እቶት ክትረክብ ከምዘየኽኣላን ወይዘሮ ኣዳነች ሓቢረን።

ምብርኻት ፍቓድ ነፃ ቐረፅ ወሃብቲ ትካላት ቐንዲ ወሓስ እቲ ፀገም ምዃኑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር እዚ ፀገም ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዘሎ እውን ገሊፀን።