ኣሜሪካ ኣብ ሞቓድሾ ኤምባሲ ኸፊታ…

መቐለ 26 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ኣሜሪካ ድሕሪ 28 ዓመታት ኤምባሲኣ ኣብ ሶማልያ ምኸፋታ ኣፍሊጣ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ሞቓድሾ ኤምባሲ ምኽፋቱ ኣመልኪቱ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ምኽፋት ኤምባሲ ኣብ ፀጥታ ዴሞክራሲን ምምሕያሽ ቑጠባ እታ ሃገርን ዓብይ ግደ ከምዝህልዎ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ተኸፊቱ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ክመርሑ ድማ ሹመት ከምዝተውሃቦም ይፍለጥ።

ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ዝነበረ ኤምባሲኣ ዝዓፀወቶ ብምኽንያት ኣብ ሞንጐ መንግስትን ተቃወምትን ዝተልዓለ ኹናት ሕድሕድ ስዒቡ ምዃኑ ድማ ቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ።