ኣሜሪካ ንርከብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትሕግዝ

መቐለ 26 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ስምምዕነት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ክግወድ ከምዝሰርሑ መራሕቲ ኤርትራን ኣሜሪካን ገሊፆም።

ሓጋዚ ፀሓፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ዋይት ሃውስ ቲቦር-ናጊ ትማሊ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ምስ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘትዮም።

ነቲ ክልቲኣዊ ዘተ መሰረት ጌሮም ሚኒስትር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ከምዝፀሓፍዎ ፕረዝደንት ኢሳያስ ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ሃናፂ ዝኮነ ርክብ ክህልዋ ከምትደሊ ኣረጋጊፆም።

ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ተሓባቢራ ክትሰርሕ ከምትደሊ’ውን ገሊፆምሎም።

ብተወሳኺ’ውን ክልቲኦም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጀመርኦ ሰላም ዘላቂ ክኸውን ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።ኣፍሪካ ኒውስ