ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ ቅልውላው ንምክልኻል በጀት መዲቡ

መቐለ 26 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዓመተ 2019 ከጋጥሙ ንዝክእሉ ሰብኣዊ ቅልውላዋት 21.9 ቢልዮን ዶላር ከምዝምድብ ኣፍሊጡ።

ካብዚ እቲ 4ቢልዮን ዶላር ኣብ የመን ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ዝውዕል’ዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ የመን ሐዚ ጥሒልዎ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእን ፋይናንሳዊ ሕፅረት ንምውጋድን ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልዮ’ውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ 2019ዓ.ም.ፈ ከጋጥሙ ንዝክእሉን ዘጋጥሙ ዘለውን 21 ዓይነታት ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ካብ ሓገዝ ወሃብቲ ዝጠለቦ 21.9ቢልዮን ዶላር ንቅልውላው ሶርያ ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ጉዳይ ሶርያ እንተተሓዊሱ እቲ ሕቶ ገንዘብ ክሳብ 25 ቢልዮን ዶላር ክበፅሕ ከምዝክእል ሓላፊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማርክ ሎውኮክ ገሊፆም ክብል ንሮይተርስ ዝፀርሐ RT News ፀብፂቡ።