መንገዲ ኣየር ኬንያ ፅባሕ ናብ ሶማልያ…

መቐለ 05 ህዳር 2011(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ኬንያ መፃኢ ሓሙስ ቐጥታዊ በረራ ናብ ሶማልያ ከተማ ሞቓድሾ ክጅምር እዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ዘካይዶ ቐጥታዊ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 40 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ሞቓድሾ ድሕሪ ዘካየዶ በረራ ስዒቡ እዩ ተባሂሉ።

እቲ መንገዲ ኣየር ዝጅምሮ ቐጥታዊ በረራ ንግዳዊ ርክባት እተን ሃገራት ብዝለዓለ መልክዑ ዘነቓቅሕ እዩ ኣፍሪካ ኒውስ ከምዝፀብፀቦ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ቐጥታዊ በረራ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኬንያ ሐዚ ድማ ናብ ሞቓድሾ ዘካይዶ ቐጥታዊ በረራ ርክብ መጓዓዝያ ኣየር ኬንያን ኣፍሪካን ዘጠናኽር ምዃኑ ተገሊፁ።