ሆስፒታል መቐለ ሞት ኣዴታት ናብ ባዶ ኣውሪዱ

መቐለ 04 ህዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ልዕሊ ዓቕሙ ግልጋሎት ይህብ ከምዘሎ ተገሊፁ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣይተ ይብራህ ኣለማየሁ ሎሚ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝተካየደ ዘተ ኣዋህባ ግልጋሎት እቲ ሆስፒታል ሕፅረት ሰብ ሞያን፣ናውትን እቲ ሆስፒታል ፅግበት ተገልገልቲ ከየረጋግፅ ፀገም ከምዝኮነ ኣረጋጊፆም።

እቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣብ ብርዒ ዓመት 2011 ንልዕሊ 50ሽሕ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ከምዝሃበን እዚ ልዕሊ ትልሚ ምዃኑን ተገሊፁ።

ኣብ ጥዕና ጣቢያታት ነበርቲ ብቐሊሉ እኩል ግልጋሎት ክረክቡ እናኽኣሉ ናብቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል እናመፁ ይንገላትዑ ከምዘለው’ውን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ከተማ መቐለ ወ/ሮ ብርክቲ ገብረክርስቶስ ገሊፀን።

ዕግበት ተገልገልቲ ንምርግጋፅ ሕብረተሰብ ተሳትፍኡ ከሓይል ከምዘለዎን ሰብ ሞያ ብተወፋይነት ክሰርሑ ከምዝግባእን ብምግላፅ።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ኣብ 2010 ልዕሊ 6ሽሕ ኣደታት ግልጋሎት ወሊድ ክረክባ ዘኽኣላ እንትኸውን ሞት ኣደ’ውን ናብ ባዶ ምውራዱ ሓቢሩ’ዩ።