ሩስያን ቻይናን ስትራተጂካዊ ምሕዝነተን ከጠናክራ’የን

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክጠናከር ከምትደሊ ቻይና ኣፍሊጣ።

ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዥን ፒንግ ከምዝበልዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ምጥንኻር ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ተፈጢሩ ብዘሎ ዘይምትእምማን ሃገራት ሩስያን ቻይናን ስትራተጂካዊ ርክበን ከጠናክራ ይግባእ ዝበሉ ፕረዝደንት ሺ ዥን ፒንግ 2ቲኤን ሃገራት ንሓበራዊ ምዕባለአን ወሳኒ ኣብ ዝኾነ እዋን ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ኣብ ቻይና ዑደት ስራሕ ዘካይዱ ዘለውን ምስ መዘነኦም ፕረዝደንት ቻይና ዝተራከቡን ቀዳማይ ሚኒስትር ሩስያ ዲመትሪ መድቨ ዴቭ ብወገኖም 2ቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ሓይሊ፣ፋይናንስን ቴክኖሎጅን ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ምዃነን ገሊፆም።

መድቨ ዴቭ ብተወሳኪ ሃገሮም ብፍላይ ኣብ ሰደድን ኣታዊን ምህርትታት ምስ ቻይና ጥንኩር ርክብ ክህልዋ ከምትደሊ ኣፍሊጦም ክብል CGTN ፀብፂቡ።