ፓለቲካዊ ቅልውላው የመን ክፍታሕ እንግሊዝ ሓገዝ ትገብር’ያ

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ የመን ዘሎ ፓለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተቀመጠ ውሳነ ሓሳብ ሰላም ከምትድግፍ እንግሊዝ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ጀርሚ ሃንት ንፕረስ ቲቪ ከምዝበልዎ ሃገሮም ኣብ የመን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈጠረ ፓለቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቀረበ ውሳነ ሓሳብ ሰላም ተግባራዊ ክከውን ድልውቲ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርሚ ብተወሳኪ እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቀረበ ውሳነ ሓሳብ ሰላም ተግባራዊ ንክከውን እንግሊዝ ምስ ኣብ የመን ፍሉይ ልኡክ እቲ ውድብ ማርቲን ግሪፍዝ ከምዝተዛተየት ገሊፆም።

ለንደን እዚ ውሳነ ሓሳብ ሰላም ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ኣብ ዝኮነሉ ልዑል ሓገዝ ከምትገብር ድማ ኣመልኪቶም።