መንገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪካ ክዕፆ እዩ…

መቐለ 24 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪካ ክዕፆ እዩ ተባሂሉ።

ሓዱሽ ሚኒስትር ፋይናንስ ደቡብ ኣፍሪካ ቲቶ ሜቢዋኒ ኣብ ኣሜሪካ ዝተሳለጠ መድረኽ ኢንቨስትመንት እዮም ነዚ ዝገለፁ።

ከም ሓበሬታ እቶም ሚኒስትር መንገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪካ ዋላ እውን ብመንግስቲ ድጋፍ እንተተገበረሉ ካብ ክሳራ ክወፅእ ኣይኽኣለን ኢሎም።

በዚ ድማ እቲ መፍትሒ ነቲ መንገዲ ኣየር ምዕፃው እዩ ክብሉ ገሊፆም።

መንግስቲ ነዚ መንገዲ ኣየር ንምድጋፍ ብዝብል ካብ 2012 ዓመተ ፈረንጂ ጀሚሩ ካብ ኸፈልቲ ግብሪ ዝተረኸበ 2ቢልዮን ዶላር ነቲ መንገዲ ኣየር ሓገዝ ምሃቡ ድማ ይፍለጥ።