ስሉጥን ፍትሓውን ኣገልግሎት ፍትሒ ክህሉ ዝተዋደደ ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ

መቐለ 02 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ስሉጥን ፍትሓውን ግልጋሎት ፍትሒ ክህሉ ዝተዋደደ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ ተገሊፁ።

ኣመራርሓ ፍትሕን መዳርግቲ ኣካላትን ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዘካየድዎ ገምጋም ምድላው ምዕራፍ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ኣረጋዊ ገብረየውሃንስ ስሉጥን ፍትሓውን ግልጋሎት ፍትሒ ክረጋገፅ ዝተዋደደ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ኣይተ ተክለ በርሀ ብወገኖም ብሕፅረት ቅንዕናን ተወፋይነትን ሕብረተሰብ ፍትሒ ዝስእነሉን ዝንገላተዐሉን ኩነታት ከም ዘሎ ብምግላፅ እዚ ንምፍታሕ ብኣተሓሳስባ መገልገላይነት ጠንኪርና ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረክ ዝኮኑ ካብ ጣብያ ወለል ዝመፀ ምክትል ሳጅን ሓጎስ ገብረመስቀልን ካብ ጣብያ ሐፀቦ ዝመፀ መንእሰይ ተመስገን ሃደራን ኣብ ጣብያታት ብፍላይ ምስ መሬትንመጠሻን ተኣሳሲሮም ዝፍጠሩ ምጉዳላት ፍትሒ ኣካላት ፍትሒ ካብኡ ሓሊፉ ድማ መዳርግቲ ኣካላት ብዕቱብ ክንሰርሐሉ ከም ዘለና ተገንዘዚብና ኣለና ኢሎም።