ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ይካየዱ ዘለው ፓለቲካውን ቁጠባውን ምምሕያሻት ትንእድ-ጁሴፒ ኮንቴ

መቐለ 02 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ይካየዱ ዘለው ፓለቲካዊን ቁጠባውን ምምሕያሻት ከምትንእድ ቐዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጅሴፔ ኮንቴ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ፓለቲካዊ ማሕበራዊን ቁጠባውን ዓውድታት ኩለመዳይን ንመዘናት ዝፀንሐን ጥንኩር ርክብ ዘለወን ሃገራት ምዃነን ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጅሴፔ ኮንቴ ትማሊ ምሸት ድማ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ እንግዶት ድራር ተጌርሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ዕውት ዘተ ከምዘካየዱን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ንግዲ መሰረት ልምዓት ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ምኽልኻል ዘይሕጋዊ ስደት ዘሎ ምትእስሳር ንምጥንካር ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ተዛሪቦም።

ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ካብ ዝሰርሑ ልምዓታዊ ምትሕብባር ሃገራት ሓንቲ’ያ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ምትሕብባር ብዝበለፀ ልክጠናኸር ከምዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ብዜካ እዘ ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ቐጠና ምብራቅ ኣፍሪካ ጣልያን ትገብሮ ሓገዝ ብምንኣድ ተጠናኺሩ ክቅፅል ሓቲቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጅሴፔ ኖኮቴ ብወገኖም ኢትዮጵያን ጣልያንን ታሪኻዊ ኩለመዳይ ምትእስሳር ከምዘለወን ብምዝኽኻር ምትሕብባርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰጋገር ብቖራፅነት ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጅሴፔ ኮንቴ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየዱ ዘለው ፓለቲካዊን ቁጠባውን ምምሕያሻትን ለውጥታትን ዝለዓለ ናእዳ ከምዘለዎም ድማ ተዛሪቦም።