ኢቦላ ናብ ጎረባብቲ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ከይስፋሕፋሕ ዘስግእ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም

መቐለ 02 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተርኣየ ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ከይስፋሕፋሕ ዘስግእ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

እቲ ውድብ ከምዝገለፆ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዳግም ዝተርኣየ ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ሽሕ’ዃ ስራሕቲ ምኽልኻልን ምቁፅፃርን ይካየደሉ እንተሃለወ ክሳብ ቐፀልቲ 3ተ 4ተ ሰሙናት ክፀንሕ ይኽእል’ዩ።

እቲ ሕማም ብዜካ እዚ ናብ ሃገራት ሩዋንዳን ኡጋንዳን ከይዛመት ዘስግእ እዩ ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም ጎረባብቲ ሃገራት ዝግባእ ስራሕቲ ቅድመ ምኽልኻል ክገብራ ድማ ሓቲቱ።

ኣብ ዶሞክራቲክ ሪፓብሊክ ሰሜናዊ ግዝኣት ኪብዩ እቲ ሕማም ተራእዩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከምዝተጠቕዑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።