17 ውልቐ ሰባት ብሞት ክቅፅዑ ተፈሪድዎም

መቐለ 02 ጥቅምቲ 2011(ድወ) ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ግብፂ 17 ውልቀ ሰባት ብሞት ክቕፅዑ ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ተገሊፁ።

እቶም ብሞት ክቕፅዑ ብወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ግብፂ ዝተበየነሎም ውልቐ ሰባት ኣብ 2016ዓ.ም.ፈን 2017ዓ.ም.ፈን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ፈፂሞም ብዝብል’ዩ።

ማዕኸን ዜና ግብፂ ሜና ከምዝፀብፀቦ ካልኦት 19 ሰባት ድማ ካብ 10-15 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝተበየነሎም ገሊፁ።

እቶም ብሞት ክቅፅዑ ዝተወሰነሎም 17 ውልቐ ሰባት ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን ሓይልታት ፀጥታን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ብርክት ዝበሉ ዜጋታት እታ ሃገር ንሞትን ጉድኣት ኣካልን ምኽንያት ኾይኖም እዮም ብዝብል’ዩ።

ኣብ ግብፂ ኣብ 2017ዓ.ም.ፈ ኣብ ሓደ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ኩፕቲክ ግብፂ ከተማ ኣሌክሳንደርያ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ 45 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።