ሰኔጋል ዝለዓለ ሕፅረት ዝስተ ማይ ኣጋጢምዋ…

መቐለ 29 መስከረም 2011(ድወት) ሰኔጋል ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ከምዘጋጠማ ተሓቢሩ።

25ሚኢታዊ ሰኔጋላውያን ንኣዋርሕ ዝኣክል ማይ ከምዝስኣኑ ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመላክት።

መንግስቲ ሰኔጋል ፀገም ማይ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ጨዋማ ማይ መፃረይ ፕሮጀክት ክሰርሕ ተሊሙ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ብተቋወምቲ ጉጅለታት ከምዝተዓናቐፈ ተሓቢሩ።

ሰኔጋል ካብተን ሕፅረት ዝስተ ማይ ዘለወን ሃገራት ዓለምና ሓንቲ ምዃና ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።