ድሕንነት ሰለማውያን ሰባት ክሕሉ ይግባእ ተባሂሉ

መቐለ 03 መስከረም 2011(ድወት) ስዑዲ ዓረብን ሕብረት ኢምሪትስ ዓረብን ኣብ የመን የካይድኦ ኣብ ዘለዋ ወታሃደራዊ ወፍሪ ድሕንነት ሰለማውያን ሰባት ክሕልዎ ይግባእ ኢላ ኣሜሪካ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክል ፓምፕዮ ከምዝበሉዎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢምሪትስ ዓረብን ኣብ የመን ዘካይደኦ ዘለዋ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ከይጉድኡ ክጥንቀቓ ይግባእ ኢሎም።

ብኣሜሪካ ኣፍልጦ ኣብ ዝተውሃቦ ወፍሪ እዘን ሃገራት ብደብዳብ ብዙሓት ህፃናት ዝርከብዎም ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ’ዩ ዝንገር።

ኣብ የመን ኣብ 2015ዓ.ም.ፈ ጥራሕ ልዕሊ 10ሽሕ ሰባት ብቲ ወታሃደራዊ ወፍሪ ከምዝሞቱ ፀብፃብ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል የመላኽት።