ሱዳን ወፍሪ ክታበት ፀረ ኣልምሲ ተካይድ ኣላ

መቐለ 03 መስከረም 2011(ድወት) ሱዳን ሃገራዊ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ተካይድ ኣላ።

ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ሱዳን ባሃር ኢድሪስ ኣቡ ጋርዳ ንዥንዋ ከምዝገለፀሉ 3 ሚልዮን ህፃናት እታ ሃገር ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ክረኽቡ ዘኽእል እዩ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ክታበት።

እዚ ብሓገዝ ወደብ ጥዕና ዓለም፣ዩኒሴፍን መንግስቲ ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ን10 ግዝኣታት ሱዳን ዘካትት እዩ።

እዚ ወፍሪ ክታበት ሱዳን ኣካል ዓለምለኸ ሽቶታት ዝኾና “ካብ ኣልምሲ ናፃ” ዝብል ወፍሪ ሃገራውን ኣህጉራውን ሓላፍነታ ንምፍፃም ዘበገሰቶ ወፍሪ እዩ ኢሎም ባሃር ኢድሪስ ኣብ መግለፂኦም።