ሰሜን ኮርያን ኢራንን ርክባተን የጠናክራ ኣለዋ

መቐለ ነሓሰ 02/2010(ድወት)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰሜን ኮርያ ናብ ኢራን ኣምሪሖም።

ሚኒስትር ጉደያት ወፃኢ ሰሜን ኮርያ ሪ ዮንግ ሆ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ ትማሊ ቴህራን ኣትዮም።

ሪ ዮንግ ሆ ምስ ኢራናዊ መዘንኦም ጃቫድ ዛሪፍ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዞባዊን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሪ ዮንግ ሆ ኣብ ቴህራን የካይድዎ ዘለዉ ዑደት ኢራን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ውጥጥ ዝኣተዋሉ እውን ብምዃኑ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ ኣሎ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝደንገገቶ ቀዳማይ ዙር ማዕቀብ ፅባሕ ሓሙስ ከም ዝጅምር ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዕላዊ ገይሮም እዮም።
ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ተካይዶ ዘላ ጉዳይ ኒኩለር መተኣማመኒ ስለዘይብሉ ሰሜን ኮርያ ጥንቃቐ ክትገብር ድማ ኢራን ሓቢራ እያ።