ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘትዮም

መቐለ ነሓሰ 02/2010(ድወ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ዘትዮም።

ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህን ፕረዝደንት ክልል ኦሮምያ ለማ መገርሳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕረዝደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳይ ዘትዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝተፈረመ ውዕል ተግባራዊ ኣብ ዝግበረሉ ዛዕባ’ውን ዘትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ 1 ሓምለ 2010ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ዑደት ምክያዶም ስዒቡ ክልቲኤን ሃገራት ሰነድ ስምምዕነት ምፍርራመን ይዝከር።

እቲ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተቋሪፁ ዝነበረ ርክብ ዘቐፅልን ኣብ ዓውድታት ፓለቲካ፣ቁጠባ፣ማህበራዊን ባህላውን ፀጋታት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ FBC ፀብፂቡ።