ሆስፒታል ጳውሎስ ምርመራ ፎሪንሲክ ጀሚሩ

መቐለ ነሓሰ 02/2010(ድወ)ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ግልጋሎት ምርመራ ፎሪንሲክ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ምርመራ ዝካየደሉ ማእኸል ንህንፀቱ ብልዕሊ 26 ሚልዮን ቅርሺ ከምዝተሳለጠ ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ንምርመራ ፎሪንሲክ ዝውዕሉ መስርሕታት ሕክምና ብምዕዳግ 10 ሚልዮን ቅርሺ ወፃኢ ተገይሩ’ሎ።

እቲ ግልጋሎት ሕክምና ብሰብ ሞያ ይወሃብ ከምዘሎ እቲ ሆስፒታል ገሊፁ’ሎ።

ምርመራ ፎሪንሲክ፣ኣስክሬን መረጋገፂ ወሊድ ምርመራ ስነ-ምረዛን መጥቃዕቲታት ጥይትን ዝምርምር ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።