ኤመርሰን ፃውዒት ሓድነት ኣቕሪቦም

መቐለ 28 ሓምለ/2010(ድወት)ፕረዝደንት ዙምባብዌ ኤመርሰን ማናንግዋ ህዝቦም ናብ ሓድነት ክመፅእ ፀዊዖም።

መረፃ ካብ ተሳልጥ ሓደ ሰሙን ዝገበረት ዙምባብዌ ዛጊድ ክትረጋጋዕ ኣይክኣለትን።

ንውፅኢት መረፃ ስዒቡ ደገፍቲ ተናሓናሒ ውድብ ኣብ ዋና ከተማ ሃረሬ ህዝባዊ ዓመፅ እናካየዱ እዮም።

ዛጊድ ብዝተካየደ ዓመፅ 6ተ ሰባት ክሞቱ ከለው ፓሊስ ፀጥታ እታ ከተማ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ይሰርሕ ምህላው ሓቢሩ።

ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር እቲ ውፅኢት ብዓወት Zanu Pf ከምዝተዛዘመን ፕረዝደንት ክኸውን ዝኽእል ግና ብዕሊ ከምዘየፍለጠ ሓቢሩ ኣሎ።

ፕረዝደንት ማናጋግዋ ንኩሎም ዜምባባውያን ቃል ምስጋና ኣቅሪቦም ብሓፈሻ ድማ ኢሎም ኣብ ድምፂ ምሃብ ዋላ እንተተፈላለና ሓንቲ ዓባይ ዙምባቤዌ ንምህናፅ ግን ንሕብር ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንፅን ዕግርግርን ገዲፍና ናብ ናይ ልምዓት ስራሕትና ንዝለቕ ዝበሉ ኤመርሰን ብገለ ወገናት ድጋፍ ዝረኸቡ ይመስሉ እቲ ዝነበረ ዕግርግር ክሃድእ ጀሚሩ ኣሎ ከምሓበሬታ ቢቢሲ።