ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ባንግላ

መቐለ 28 ሓምለ/2010(ድወት)ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ካለኣይ ብርኪ ባንግላድሽ ሰልፊ ተቋውሞ ከምዘካየዱ ተገሊፁ።

እቶም ተምሃሮ ሰልፊ ዘካየዱ ልዕሊ 20 ሰባት ብሓደጋ መኪና ሂወቶም ምስኣኑ ስዒቡ እዩ።

እቶም ተምሃሮ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልቲ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ኣብ ጎደናታት ባንግላድሽ ሓዊ ብምቕፃል ፍትሒ ንደሊ ኢና ብምባል ተቋውሞ እናስምዑ እዮም።

ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ባንግላድሽ ብግዕዝይና ዝፍለጥን ብሕጊ ዘይምራሕን እዩ ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት ካብቲ ተቋውሞ ሰልፊ ጀሚሩ ልዕሊ 300 ተሽከርከርቲ ከምዝዓነዋ ተገሊፁ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ባንግላድሽ ቪካህ ሃሲና ብወገነን እቲ ፀገም ከምዘሎን ኣብ ቐፃሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምችው ንምግባር ከምዝስራሕ ተዛሪበን።

ፀብፃብ መንገድን መጓዓዝያን ባንግላድሽ ከምዘመላኽቶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 4ሽሕን 200 ተጓዓዝቲ እግረኛታት ብሓደጋ መኪና ሂወቶም ከምዝስኣኑ የመላኽት።